Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጁታ ኡርፒላይነን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሕብረት ኣውሮፓ ጁታ ኡርፒላይነን ተዛቲዮም።

ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ጁታ ኡርፒላይነን ንክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ጉዳያትን ተዛቲዮም።

ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ብዝበለፀ ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ተመያይጦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 650 ሚሊየን ዩሮ ዓመታዊ በዓል ብዙሕ ዓውዲ መርሃ ግብሪ ሓገዝ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ዕላዊ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኮሚሽነር ጁታ ኡርፒላይነን ኣብ ፃንሒተን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ ልኡኻትን ከምዝዛተያ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.