ዝካየዱ መፅናዕትታትን ምርምራትን ፀገም ማሕበረሰብ ዝቐርፉ ክኾኑ ይግባእ-ዩንቨርስቲ ኣክሱም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መድረኽ ዘተ መበል ዓስራይ ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ።
ምክትል ፕሬዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ኣብርሃም ነጋሽ(ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነፍስ ወከፍ እነካይዶም ምርምራትን መፅናዕትታትን ፀገም ማሕበረሰብ ዝቐርፉን ምዕባለ ዘምፅኡን ክኾኑ ይግባእ ኢሎም።
ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጅን እቲ ዩኒቨርስቲ መኮነን ኣረጋይ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ከም ዩኒቨርስቲ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ ብምንፃር ፈታሕቲ ዝኾኑ ምርምራት ቴክኖሎጂታት ክነቕርብ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ነዚ ኣብ ምትግባር ሙሁራትን ተመራማርን ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ንዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ዝፀንሕ መፅናዕታዊ ኮንፈረንስ፥ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ሕብረተሰብ ዝድህስሱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ክዝተየሎም እዩ ዘበል ትፅቢት ከምዘሎ ዩንቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊፁ።
,