Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣፈላላያት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ምጥባብን ዕርቂ ምዕሳልን ቁልፊ ኣማራፂ ሰላም ብምግባር ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኣፈላላያት ኣብ ዙሪያ ጠረጴዛ ምጥባብን ዕርቂ ምዕሳልን ቁልፊ ኣማራፂ ሰላም ብምግባር ከምዝኾነ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መንግስቲ ሰላም ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዕጥቂ ዘልዐሉ ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ ንኸቕርቡ ኩሎም በሪታት ሰላም ንኹሎም ሓይሊታት ማዕረ ከምዝኸፈተ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ክልላት ጋምቤላን ቤንሻንጉል ጉሙዝን እናተንቀሳቐሱ ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ስምምዕነት ሰላም ብምፍፃም ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተገበረ መማልኢ መረፃ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልል ጉሙዝ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ሓይሊታት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወንበር ክረኅቡ ከምዝኸኣሉ ኣዘኻኺሮም።

“ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝነበረ ጎንፂ ብስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብምዝዛም እቲ ስምምዕነት ብዝተማለአ መገዲ ንምትግባር መንግስቲ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ፤ ኣጠናኺሩ እውን ክቕፅል ኢዩ” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

መንግስቲ ዝተፈላለዩ ድሌታትን ፖለቲካዊ ሓሳብን ምስ ዘለዎም ኣካላት ሃናፂ ዘተ ብምግባር ኣብ ምርድዳእ ዝበፅሐሎም ጉዳያት ንምድናፋዕ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.