ምስ ብልሹው ኣሰራርሓ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ 73 ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ተወሲዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሌብነትን ብልሹው ኣሰራርሓን ንምክልኻል ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዝተወገነ ስራሕ ኣብ ልዕሊ 73 ሰራሕተኛታት ምምግዳራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኤጀንሲ ሲቪል ምዝገባን ኣገልግሎት ነባርነትን ኣፍሊጡ፡፡
ምምግዳራዊ ስጉምቲ ካብ ሞንጎ ዝተወሰደሎም 25 ብከቢድን 48 ቀሊልን ዲስፒሊን ከምዝተቐፅዑ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዮናስ ኣለማየሁ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ገሊፆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ 37 ሰራሕተኛታት ጉዳይ ብቤት ፍርዲ እተርኣየ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
ብኻእ መዳይ ኣገልግሎት ሲቪል ምዝገባ 195 ሺሕን 402 ናይ ልደት፣ 15 ሺሕን 747 መርዓ፣ 3 ሺሕን 769 ፍትሕ፣ 11 ሺሕን 376 ሞትን 97 ሕጋዊ ምውሳድ ቆልዑት ከምዝተውሃበ ኣብሪሆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው