Fana: At a Speed of Life!

17 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም መድሓኒታት ተወዚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 17 ቢሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም መድሓኒታት ምውዝዖም ኣገልግሎት ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ዓብዱልቃድር ገልገሎ፥ መመሓየሺ ማክክሮ ኢኮኖሚን ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪን ዓቕሚ ኣፍሪይቲ መድሓኒት ውሽጢ ዓዲ ምጥንኻር ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ቅድመ ሐዚ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ዝነበሩ ፍሪያታት ጋንትን ስሪንጅን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ ምጅማሮም ተዛሪቦም።

እቲ ኣገልግሎት ናይ ፋይናንስን መኽዘንንስርዓቱ ብምዝማን ዲጂታል ስርዓት ምትግባር ከምዝጀመረ ገሊፆም።

መድሓኒታት ካብቲ ኣገልግሎት ናብ ትካላት ጥዕና ንምብፃሕ ዘኽእላ 53 መካይን ተዓዲገን ንምክፍፋል ድልዋት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣብ 2017 ዓ.ም 14 ቢሊየን በር ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ሕክምና ብዕድጊት ናብ መኽዘን ምእታወን ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.