Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንምትግባር ዕዉትነት ኣጀንዳ ትካላዊ ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪካ ቁርፀኛ ኢያ- ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንምትግባር ዕዉትነት ኣጀንዳ ትካላዊ ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪካ ቁርፀኛ ኢያ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ኣብ ኬኒያ ናይሮቢ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ ትካላዊ ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ እቲ ሕብረት ክሳብ ሐዚ ዘካየዶም ትካላዊ ምምሕያሻት ንኢዶም።

ዓቕሚ ኣፍሪካ ኣብ ምጥቃም ሐዚ እውን ጠመተ ዝደሊዩ ብድሆታት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ሕብረት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንክቕመጥ ዘኽእሉ 75 ሚኢታዊ ናይ ፕሮግራማት ባጀት ምሽፋንን 25 ሚኢታዊ ጉዳያት ሰላም ንምፍፃም ዝተቐመጡ ሸቶታት ምዕዋት እንትከኣል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሓደሰ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ቀደም ኣፍሪካዊያን ሕብረት ኣፍሪካ ንምምስራት ዝገበርዎ ልዑል ጠመተ፣ ፃዕሪን ራእይን ዘዘኻኽር ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ትካላት እቲ ሕብረት ዝተገበሩ ስጉምቲታት ምምሕያሽ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከምዝግባእ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.