Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ብዙሓት በዓል ብዙሕ መድረኻት ብሓባር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኖንሴባ ሎሲን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ትኹረት ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ዝፀንሐን ታሪኻዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣልዒሎም፡፡

ጌዲዮን (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ብምፅራሕ፤ ኣብ ሕብርት ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት በዓል ብዙሕ መድረኻት ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢኖንሴባ ሎሲ ብግደአን÷ ርክበን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሓ ብምግላፅ፤ ካብ ክልተኣዊ ርክብ ሓሊፉ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ማዕቐፍ ብሪክስ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻት ሓበራዊ ረብሓታተን ንምሕላው ብምትሕብባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለወን ገሊፀን።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ንዝካየድ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንምግባር ብሓባር ከምዝሰርሑ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.