መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ሺሕ ጋዜጤኛታት ሽፋን ክህብኡ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ሺሕ ጋዜጠኛታት ሽፋን ክህብኡ ኢየን ዘበል ትፅቢት ከምዘሎ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉባኤ ካብ 8 ክሳብ 9 ለካቲት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።
እቲ በዓል መዚ ኣባል ብሄራዊ ኮሚቴ ምስንዳእ እቲ ጉባኤ ብምዃን እቲ ጉባኤ ዕዉት ንክኸውንን ሽፋን ሚዲያ ንክረክብን ዝተፈላለዩ ተግባራት የሳልጥ ከምዘሎ ገሊፁ።
ካብ መንጎ እዚኣቶም ነቲ ኣኼባ ንዝፅብፅቡ ጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን “ፕሬስ ፓስ” ንክረኽቡ መግባር፣ ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፅኡ ኣካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ቪዛ ነይ ምምችቻውን ንሰብ ሞያ መሳርሒታት ክሊራንስ ምስራሕ ቀንዲ ቀንዲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እቶም ስራሕቲ ስሉጣት ንምግባር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ጉምሩክ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ባጅ ሴንተር ከምኡውን ኣብ ቤት ዕዮ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ እኹል ሓይሊ ሰብ ብምምዳብ ስሉጥ ናይ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ እውን እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ንምፅብፃብ ክሳብ ሐዚ 390 ናይ ውሽጢ ዓዲን 530 ጋዜጠኛታት ወፃኢን ምምዝጋቦም እቲ በዓል መዚ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።