ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዱባይ ኣቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ፌዲሪኢ ኣብ ጉባኤ መንግስታት ዓለም ንምስታፍ ኣብ ዱባይ ይርከብ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዱባይ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ፣ በዓል ሙሉ ስልጣን ኣምባሳደር ፌዲሪኢ ኣብ ዱባይ ዑመር ሁሴን (ዶ/ር)ን ዲፕሎማሰኛታትን ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡