ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ጅቡቲን ሩዋንዳን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም)ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ጅቡቲን ሩዋንዳን መሃመድ ዓሊ ዩሱፍን ኦሊቪየር ዣንን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ዳይሬክተር ጄነራል ጉዳያት ፕሮቶኮል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣዚዛ ገለታ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
ኣብ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳተፉ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምእታው ከምዘለዉ ግዜኢ ፀብፂቡ።
እቲ ስሩዕ ኣኼባ 5 ክሳብ 6 ለካቲት ክካየድ ኢዩ።