ኢትዮጵያ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣካፊላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ተመክሮ ፍሪያት ግብርናኣ ኣካፊላ።
እቲ ተመክሮ፥ “ዓለም ለኸ መስኖን ብክሌማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ፍሪያትነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኢያ ኣቕሪባ።
ኣብቲ ጉባኤ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ሓዊሱ ሚኒስትራትን ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ተሳቲፎም።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ምፅዋር ክሌማዊ ለውጢን ተመዝግቦ ዘላ ውፅኢት ንተሳተፍቲ ኣቕሪበን።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰርን ሓለዋ ከባቢን ጭቡጥ ዝበሃል ለውጢ ትገብር ከምዘላ ሓቢሮም።
ምክልኻል ክሌማዊ ለውጢ ኣካል ናይ ዝሓዘቶ ትልሚ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ክሳብ ሐዚ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ብምትካል ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ከምዝኸኣለ ኣገንዚበን።