Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ንምዝዛም እናተሰርሐ ይርከብ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝጀመረቶ ከይዲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዌላ (ዶ/ር) ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ፃዕሪ እናገበረት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ኣባል እቲ ትካል ንምዃን ዘድልዩ መለክዒታት ንምቅላል እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን፡፡

ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረቶም ኣብ ዝርከቡ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝምልከት ነተን ዋና ዳይሬክተር ገለፃ ገይሮምን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣ ብዝሓወ መልክዑ ኣባል እቲ ትካል ከምትኸውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.