Fana: At a Speed of Life!

መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ተዛዚሙ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ መልክዑ ብዙሓት ኣጋይሽን ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ናይዚ ዓመት ጉባኤ ፍሉይ ዝገብሮ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዲፕሎማሲዊ ዓወታት ኣብ ዘሳለጠትሉ እዋን ምክያዱ ኢ ክብሉ ኣልዒሎም፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ሰለስተ ዋና ዋና ጉዳያት ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ቀዳማይ ብትካላት ምውዳድን ብወናንነት ህዝቢን እናተመርሐ ዓበይቲ ፍፃመታት ብዓወት ናይ ምዝዛም ዓቕሚ ምርኣይ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ካሊእ ድማ ሃገርና ዕዉትን ሓዱሽ ምስሊን ንማሕበረሰብ ዓለም ምፍላጥ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ዝተረኸቡ ዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ናይቲ ጉባኤ ዓወታት ከምዝሖኑ ገሊፆም፡፡

እቲ ጉባኤ ብዕዉት ኩነታት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.