ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፥ እንኳዕ ንበዓል ለካቲት 11 አብፀሓኩም!
ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ትግራዎትን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንበዓል ለካቲት 11 አብፀሐኩም።
ሃገርና ዘበናት ዘቊፀረት ገዚፍ ታሪኽን ፅኑዕ ፀረ-ባዕዳዊ ወራር መርገፅ ዝነበራን ዘለዋን ሃገር እያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት፣ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕድል ዝረኸቡ መራሕቲ ዳርጋ ኩሎም ክበሃል ብዝከኣል መጠን ኣብ ምኽባር ሉዑላውነት ነቕ ዘይብል ቅዋም ከም ዝነበሮም ዘከራኽር ኣይኰነን። እንተኾነ ግን ኣብውሽጣዊ ጉዳያት ብፍላይ ኣብጉዳይ ዲሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ማዕረነታዊ አረኣእያን ዝነበረ ቅዋም ብኣንፃር መርገፅ ፀረ-ባዕዳውነት ዘይምዕሩይ ምንባሩ’ውን ዘከራኽር ኣይኰነን።
ኣብ ታሪኽ ሃገርና እዙይ ዝበሃል ፖለቲካዊ አፈላላያት ብሕጊ ወይ ብምርድዳእ ዝፍተሐሉ መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ኣይነበረን። ማሕበረሰብና በቢብሄሩን ከባቢኡን አፈላላያት ብምርድዳእ፣ ብዕርቅን ሽምግልናን ምፍታሕ ዳርጋ ኣብኩሎም ከባብታት ልሙድን ዝውቱርን እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ባህርን ኣገባብን እዙይ ካብ ማሕበረሰብን ከባብን ሓሊፉ ሕጋዊ መስርሕን ሃገረ-መንግስታዊ መልክዕ ከይሓዘ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ’ውን ዳርጋ ኩሎም ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብጎንፂ ጥራይ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ባህልና ኮይኑ ንዘበናት ፀኒሑን ሐዚ’ውን ይፍትነናን አሎ።
ፖለቲካዊ አፈላላያት ብልዝብ፣ ብዕርቅን ምርድዳእን ካብኡ ሓሊፉ “ብሕጊ ክፍታሕ አለዎ” ዝብል ኣምር ከም ኣምር ብመንግስቲ ደረጃ ድሕሪ ለውጢ ኣብዘለዉ ውሑዳት ዓመታት ዝተትሓዘ መርገፅ ምኳኑ ይፍለጥ። መንግስቲ ከም እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ሕጋውን ትካላውን መስርሕ ዘርጊሑ ዝትግብሮ ዘሎ መስርሕ እዩ። ይኹን እምበር፣ ከምዙይ ዓይነት መስርሕ ናይ ቀረባ እዋን ተጓንፎን ገና ዝተኣታቶ ዘሎ ጉዳይ ምኻኑ ልቢ ምባል ኣድላዪ እዩ።
ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መላእ ሃገር ተዘርጊሑ ዝነበረ ጭቆናን ዘይምዕሩይን ስርዓት ክእለየሉ ዝኽእል መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ወይ ሕጋዊ መስርሕን ኣብዘይነበረሉ እዋን ዝነበሮ መማረፂ ጎድና-ጎድኒ ምስ ካልኦት መሓዙት ህዝብታት ኢትዮጵያ ብስርዑን ብዝተወደበን መገዲ ብሓይሊ ብረት ናብ ቃልሲን ማዕርነትን ዲሞክራስን ክለዓል ኣድላዪ ገይሩ ብመውሳድ፣ ለካቲት 11 ብረት ኣልዒሉ ቃልሲ ጀምሩ ።
ብመሰረቱ ጎንፃዊ መገድን ብረታዊ ተጋድሎን ዝድገፍ እኳ እንተዘይኰነ፣ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካውን ሕጋውን ኩነታትግን ብረት ከልዕል ከምዘለዎ ኣሚኑ ምብጋሱ ግድን ነይሩ። እንተኾነ ለካቲት 11 ዝተወለዐ ፖለቲካውን ጎንፃውን ቃልሲ፣ ካብ መብዛሕቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጎንፃዊ ፖለቲካዊ ቃልስታት ዝፍለየሉ ባህሪ አለዎ።
ንሱ ድማ፥ ድሕሪ ዓወት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል፣ ብብርኪ ሃገር ኮነ ከም ብሄር ዝፍጠር ኣፈላላያት፣ ብፖለቲካዊ መገዲ፣ ኢሂን ምሂን ብምባል ብሕጊ ዝኽንበተሉ ኣገባብ ምፍጣር እዩ። ከምኡውን፣ መመሊስና ብረት ነልዕለሉ አገባብ ሓንሳእን ንሓዋርን ከብቅዕ ምግባር ይርከቦ። ስለዝኾነ ፍርያት ለካቲት 11 ፣ ዝኾነ አፈላላያት ብብረት ዘይኰነ መጀመርታ ብልዝብ እንተገደደ ግና ብሕጋዊ መገዲ መዕለቢ እንገብረሉ ኣገባብ ኣብ ስራሕ ምውዓል ክብርታት ለካቲት 11 ምኻኑ ደጊምካ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓመታት ዝገጠመና ቅርሕንቲ ንምፍታሕ ዝተኸተልናዮ ጎንፃዊ ኣገባብ፣ ካብቶም ዕላማታት ለካቲት ዝወፀ ምንባሩ ግልፂ እንትኸውን፣ ድሕሪ ከቢድ ዋጋ ምኽፋል ናብ ልዝብ ምምላስና ግን ዝነኣድ ስጉምቲ እዩ። ይኹን እምበር፣ ሕዚ እውን እንተኾነ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብብረት ናይ ምፍታሕ ድሌታት ውጥም-ቅልቅል ምባሎም ኣይተረፈን።
ኣብዙ እዋን ምስኩሉ ፀገማቱን ጉድለታቱን ፖለቲካዊ አፈላላያትና ብልዝብን ምርድዳእን እንፈትሐሉ ድሌት ከምኡውን፣ ሕጋውን ትካላውን መስርሕ ምዝርጋሕና ኣብ ግምት ክነእቱ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ “ዝኸፈልናዮ ረዚን ዋጋ ይኣክል” ብምባልን ከምቲ እቲ “ዝሓለፈስ ሓለፈ ፀሓፍ ናይ ዝተረፈ” ዝበሃል፤ ሕሉፍ ጌጋታትና ኣሪምና ብብርኪ ክልል ዝተጀመረ መድረኽ ኢሂን-ሚሂን ተጠናኺሩ ክቕፅልን ፣ ብብርኪ ሃገር ዘለና አፈላላይ ብቁልጡፍ ኣዐሪና ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ዝተኣጓጎለ ሰለጤን ልምዓት ክጠናኸር፣ ቁጠባዊ ሕውየትን ማሕበራዊ ምርግጋዕን ክረጋገፅ፣ ብህዝቢ ዝምረፅ መንግስቲ ክትከልን ሰላምን ፍትሕን ክሰፍን ዘኽእል ኩነታት ክፍጠር ካብ ልቢ ክንሰርሕ ብዕሊ ይፅውዕ።
በዚ መገዲ እዙይ ምሕሳብ እንተጀሚርና፣ ህዝብን ሊሂቃን ትግራይ ናብ ስሩዕ መስርሕ ሕገ-መንግስቲ ዝምለሰሉን ኣብሃገረ መንግስቲ እውን ብግቡእ ተሳትፎኡ ዘሐይለሉን ጊዜ ሓፂርን ጭቡጥን ከምዝኸውን እናረጋገፅኩ ፤ ደጊመ ሰናይ በዓል ለካቲት 11 ክብል እፎቱ!
ኢትዮጵያ ብፅዕረት ደቃ ተከብራን ተሓፍራን ንዘልኣለም ትነብር!!
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
ለካቲት 10 2017 ዓ.ም