Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ናብ ዳሬ ሰላም ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ናብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ኣቲዮም።

ኣይተ ተመስገን ናብ ዳሬ ሰላም ዘምርሑ ን3ይ ግዘ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ጂ-25 ኣፍረይቲ ቡን ሃገራት ንምስታፍ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ቀዳመይቲ መፍረዪት ቡን ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ ሓዊሱ፤ 25 ሃገራት ኣፍሪካ ቡን ኣፍረይቲ ሃገራት ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡

”ኢንዱስትሪ ቡን ኣፍሪካ ብንቕቓሕ ንመናእሰይ ዕድላት ስራሕ ምኽፋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እቲ ጉባኤ ዝካየድ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ እቲ ዓውዲ ንምንቕቓሕን ሰፊሕ ዕድል ስራሕን ንምፍጣር ዘኽእሉ ልዝባት ከምዝግበሩ ትፅቢት ይግበር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.