እንትንፆም ስራሕቲ ፍቕሪን ምሕረትን ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ- ብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሊቀ-ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ ፅባሕ ዝኣቱ ፆም ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፥ ዓብዪፆም እንትንፀውም ምሕረት እግዚኣብሄር ንክበዝሓልና ብፆምን ፀሎትን ብዝበለፀ ጠንኪርና ካብ ዘለና ንዘይብሎም ብምክፋል ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ከምኡውን ንስሃ ብምእታው ምስ ሰባትን እግዚአብሔርን ብምእዕራቕ ርክብና ምሕዳስን ምጥንኻርን፣ ምፅዋምን ምፅላይን፣ ዝተፀገሙ ምሕጋዝ፣ ስራሕቲ ፍቕሪን ምሕረትን ብምስራሕ ብምስራሕ ክኸውን የግባእ ኢሎም።
ኣብ እዋን ዓብዪ ፆም እግዚአብሔር ሓደ ዝገበሮ ሓድነትና፣ ቤተሰባዊነትናን ኢትዮጵያዊነትናን ኣኽቢርና ተኸቢርና ፈቲናን ተፋቲናን ብምንባር ንክነጠናኽሮ ሓይሊ ንክህበና ብፆምን ፆሎትን ካብ ልቢ ንልምኖ እንትብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ክፉእ ካብ ምዝራብ፣ ካብ ምስማዕን ምርኣይን ምዕቃብ ኣካል ፆምና ይኹን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።