ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ምስ ሓለፍቲ ትካል ኣገልግሎት ማርስክ ሎጂስቲክስ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ምድር ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር) ምስ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካል ኩባኒያ ሎጂስቲክስ ማርስክ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ምስ ሓለፍቲ እቲ ኩባንያ ኣብ ስራሕቲ ሎጂስቲክስ ባቡር ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ምይይጥ ምግባሮም እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡
እቲ ዘተ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንኽህብ እናተገበረ ንዝርከብ ፃዕሪ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡