ኣብ ትግራይ ፍርያት መዓር ንምድንፋዕ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ፍርያት መዓር ንምድንፋዕ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ፡፡
ኣብቲ ቢሮ መራሒ ጉጅለ ምርባሕ ንህቢ፣ ሓሰኻ ሃሪን ዓሳን ኣይተ ጎሹ ወልደኣብዝጊ ከምዝበሉዎ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ትሩፋት ሌማት ንምስፋሕ ዕስለ ኣናህብን ዘበናዊ ቆፎታትን ንሓረስቶት ከምዝተኸፋፈሉ ሓቢሮም።
ንኣብነት ድማ ዕስለ ኣናህብ ብሞዴል ሓረስቶት ናይ ምብዛሕን ዘበናዊ ቆፎታት ንሓረስቶት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንኽቐርቡ ተገይሩ” ኢሎም።
በዚ ድማ ቅድም ክብል ኣብ 26 ሺሕን 500 ባህላዊ ቆፎታት ንህቢ እናካየዶ ዝነበረ ተግባር ምርባሕ ንህቢ ናብ ዘበናዊ ቆፎታት ብምስግጋር መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ዕዉት ንምግባር ከምዝሓገዘ ተዛሪቦም።
እቲ ስራሕ ብዝበለፀ ንምዕባይ ኣብ ዓውዲ ምርባሕ ንህቢ ዝተዋፈሩ 200 ሺሕ ሓረስቶ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናተገበሩ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ክልል እናተኻደ ዝርከብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዕስለ ኣናህብ ዕኹል ምግቢን ማይን ንኽረኽቡ ከምዝሓገዘ ኣይተ ጎሹ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።