Fana: At a Speed of Life!

ብ17 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ዝውገን ስምምዕነት ህንፀት ማእኻላይ መስመር ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስምምዕነት ዳግመ ህንፀት ማእኸላይ መስመርን መመሓየሺ ህንፀት ፕሮጀክትን ከተማታት ደብረብርሃን፣ ሱሉልታን ቢሾፍቱን ተፈሪሙ፡፡

እዘን ከተማታት ኣብ ቀፃሊ ንምህናፅ ብትልሚ ዝተትሓዙ ኣካል ፕሮጀክት መመሓየሺ መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክን ምዕባይ ዓቕሚን 10 ከተማታት ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ህንፀት ፕሮጀክት ዝተገበረ ኣብ ሞንጎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ብጋናዊ ኩባንያ ኢንጅነሪንግ ዊልኪንስን ኢዩ፡፡

ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 17 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ዝውገን እቲ ፕሮጀክት፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ጌቱ ገረመው (ኢ/ር) ከምዝበሉዎ፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብተን ከተማታት ዘሎ ቀረብ ኤሌክትሪክ ዘተኣማምን ብምግባር ዓማዊል ዘተኣማምን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ኢዩ፡፡

ተወካሊ ኩባንያ ኢንጅነሪንግ ዊልኪንስ ኦማን ፍሪምፖንግ ብግደኦም፤ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘን ደረጃ ፅሬትን ብምዝዛም ከምዘረክቡ ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.