Fana: At a Speed of Life!

ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምውዓል ካብ ሰብኣውነት ተግባር ዝወፅአ እዩ – ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ብምጥቃም ንመፈፀሚ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምውዓል ካብ ሰብኣውነት ተግባር ዝወፅአ ምዃኑ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይ ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋይ (ዶ/ር) ኣብዚ ሰሙን ብርቱካን ተመስገን ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ብናይ ሓሶት ታሪኽ መሰረት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝለዓሉ ሓሳባት ብዝምልኸት መግለፂ ሂበን፡፡

ኣብ መግለፂአን÷ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ምኹናንን ምቅዋምን ናይ ኩሉ እጃም ምዃኑ ሓቢረን።

ብሓሶት ታሪኽ ብርቱካን ተመስገን ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ መሰረት ብምግባር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘይግቡእ ሓበሬታ ናብ ማሕበረሰብ እናበፅሐ ምዃኑ ኣብሪሀን።

እቲ ተግባር ካብ ሰብኣዊነት ዝወፅአን ክኹነን ዝግበኦን ተግባር ምዃኑ ኣፅንኦት ሂበን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ዓመፅ ንምክልኻል ግቡእ መረዳእታን መፍትሒን ከምፅእ ብዝኽእል መልክዑ ጥራሕ ክኸውን ይግባእ ኢለን፡፡

ብሰለሞን በየነ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.