ክልል ኣምሓራ ቀፃሊ ኮንፈረንስ ትካላት ሃይማኖት ንኽተሰናድእ ተሓሪያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ “ትካላት ሃይማኖት ንኩለመዳይ ሰላምን ዕርቂን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅማ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ተዛዚሙ፡፡
ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃእፅኡ መራሕቲ ትካላት ሃይማኖትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
ትካላት ጉባኤ ሃይማኖት ክልል ኣምሓራ ድማ ናይ ቀፃሊ ኮንፈረንስ ትካላት ሃይማኖት ንኸተሰናድእ ተሓሪያ ኣላ፡፡
ናይ ኣሰናዳእነት ፅዕ ንተወከልቲ ክልል ኣምሓራ ካብ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ተረኪቦም።
ብኣብዱረህማን መሓመድ