Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሃሙድ አሊ ዩሱፍ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ፀፅታን ምዕሳል ኣብ ዘከኣለሎም ጉዳያት ብትኹረት ተመያይጦም፡፡

ብፍላይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዘለዉ ጎንፂታት ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍትሑ እናገበሮ ዝርከብ ናይ ምሽምጋል ፃዕሪ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እውን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ እናተወገኑ ዝርከቡ ትካላዊ መመሓየሺ ስራሕቲ ዘድሀበ ልዝብ ምግባሮም ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ÷ መሃሙድ ኣሊ ዩሱፍ ኣብቲ ዞባ ዘላቂ ሰላም ንምዕሳል እናርአዩዎ ዝርከቡ ቆራፅ ኣመራርሓን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ኣመስጊኖም፡፡

መሃሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ወሳኒ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት እናበርከተቶ ንእትርከብ ኣስተዋፅኦ ናእደኦም ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.