ስታፍ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ምክልኻል ብቑዕ ኣመራርሓ ኣብ ምፍጣር እጃሙ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስታፍ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ምክልኻል ኣብ ኣፍሪካ ብቑዕ ኣመራርሓ ምክልኻል ኣብ ምፍጣር እጃሙ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡
የመከላከያ አዛዥነትና ስታፍ ኮሌጅ በአፍሪካ ብቁ የመከላከያ አመራር በመፍጠር ረገድ ሚናውን እየተወጣ እንደሚገኝ ተገለጸ።
ብሜጀር ጄኔራል ዳሂሩ ሳኑሲ ዝተመርሐ ወታደራዊ ጉጅለ ልኡኽ ናይጄሪያ ኣብ ስታፍ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ምክልኻል ከምኡ እውን ኣብ ማእኸል ምኽባር ሰላም ምክልኻል ዑደት ኣሳሊዩ።
መራሒ እቲ ጉጅለ ሜ/ጄኔራል ዳሂሩ ሳኑሲ÷ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምርግጋእ ጥንኩራት ትካላት ፀፅታ ኣብ ምፍጣር እናሰርሐት ምዃና ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ወታደራዊ ምትሕብባር ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ስታፍ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ምክልኻል ንሃገራት ኣፍሪካ ብቑዕ ኣመራርሓ ብምፍጣር ልዑል ግደ እናተፃወተ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ማእኸል ምኽባር ሰላም ምክልኻል እንትጉብኒ ገለፃ ዝገበሩ ሓላፊ መምርሒ ማእኸል ክትትል ወፍሪን ምውፋርን ብርጋዲየር ጄኔራል መኮንን ኣስፋው፤ “ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብስልጠናን ስትራቴጂን ብምውጋን ግብረ ራዕዲን ፅንፈኝነትን ኣብ ምክልኻል ልዑል ግደ እናተዋፀአት ትርከብ” ኢሎም።
እቲ ዑደት ምትሕብባር ዘጠናኽር ወታደራዊ ፍልጥትን ልውውጥ ልምዲን ብሓባር ንምስራሕ በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ምግለፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።