Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዲጂታል ሎተሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዕዳጋ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ናይ ወረቐት ሎተሪታት ብተወሳኺ ብዲጂታል መልክዕ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተሰናደአ ፈላማ ዲጂታል ሎተሪ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ሎተሪ ኢትዮጵያን ሶፍትዌር ሶሉሽን ታምኮንን እቲ ዲጂታል ሎተሪ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ፡፡

ኣብ ዕዳጋ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ናይ ወረቐት ሎተሪታት ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ብመርበብ ሓበሬታ፣ ሞባይል ኣፕሊኬሽንንን ብኤስ ኤም ኤስን ኣቢሉ ዕድሉ ብምፍታን ዝሽለመሉ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ሎተሪ ኢትዮጵያን ቤዛ ግርማ ገሊፀን፡፡

እቲ ዲጂታል ሎተሪ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕን ንዕቤት ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ውሽጢ ሃገርን ምቹው ኩነታት ኣብ ምፍጣር እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሶፍትዌር ሶሉሽን ታምኮን ሰለሞን ከበረ ኣፍሊጦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.