Fana: At a Speed of Life!

ዕለተ ሰሉስ ሰሙነ ሕማማት – መዓልቲ ሕቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንረኽባ ዕለተ ሰሉስ፥ ኣይሁድ ሕግን ሓቅን መሰረት ዝገበረ ዘይኮነስ፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸስሱሉ ገበን ክረኽቡ ኢሎም የቕርብዎም ዝነበሩ ሕቶታት ዝዝከሩላ ዕለት ስለ ዝኾነት “መዓልቲ ሕቶ” ተብሂላ ከም ትፅዋዕ ሊቃውንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ይገልፁ።

መፅሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ፤ “ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም፤ ጠረጴዛታትን ወናብርን ሸየጥቲ ርግብን እውን ገልበጦም፤ ‘ቤተይ ቤተ ፀሎት ይበሃል’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ሰረቕትን ከተርትን ገበርኩምዎ” በሎም።

ቅዱስ ዮሃንስ ሃዋርያ ከዓ ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም” ይብል።

ብመሰረት ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን፥ ወዲ ሰብ ቤተ መቕደስ ቤተ እግዚአብሔር እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ በቶም ነዚ ንግዳዊ ንጥፈት እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ክፍፀም ዝፈቐዱ ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣዝዩ ተቘጢዑ እውን እዩ ከምኡ ዝገበረ።

ሎሚ እውን እንተኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዘይግባእ ተግባር እናተሰርሐ ስቕ ኢሎም ዝርእዩን ዝፈቕዱን መራሕቲ ሃይማኖት ተቘጢዑ ጭጕራፉ ከልዕል ከም ዝኽእል ዘምህር እዩ ይብሉ መምህራን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን።

ኢየሱስ እዚ እንትገብር እንተሎ፥ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ናብኡ መፂኦም “ብኣየናይ ስልጣን ነዚ ነገራት እዙይ ትገብር ኣለኻ? ነዚ ስልጣን እዙይ ኸ መን ሃበካ?” ኢሎም ሓተትዎ።

ንሱ እውን ንሕቶኦም ብሕቶ መሊሱ “ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እዩ? ካብ ሰማይ ድዩስ ካብ ሰብ?” ኢሉ ሓተቶም።

ንሳቶም ከዓ “ካብ ሰማይ” እንተ ኢሎም “ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ?” ከም ዝብሎም፥ “ካብ ሰብ” እንተ ኢሎም ህዝቢ ከም ዘይቕበሎም ስለ ዝተረድኡ ካብዚ ከቢድ ሕቶ ዘምልጡሉ ቀይናን መልሲ መሊሶሙሉ።

እቲ ዝሃብዎ መልሲ ድማ “ኣይንፈልጥን” ዝብል ነይሩ። ንሱ ድማ “ኣነ እውን ብኣየናይ ስልጣን፥ ነዞም ነገራት እዚ ከም ዝገብር ኣይነግረኩምን” በሎም።

ብኻልእ ወገን ከዓ፥ ኣይሁድ ንኢየሱስ “ነዚ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ከም ዝሓተትዎ ቅዱስ ዮሃንስ ሃዋርያ የረድእ።

ኢየሱስ ድማ “ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ከዓ ብሰለስተ መዓልቲ ክሃንፆ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

እቲ ቤተ መቕደስ ክህነፅ ኣርብዓን ሽዱሽተን ዓመታት ስለ ዝወሰደ፥ “ከመይ ገይሩ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ክሃንፆ እየ ይብል?” በሉ።

ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። ድሕሪ ሞቱ ኣብ ሳልሳይ ዕለት ካብ ምዉታን ከም ዝትስእ ዝሕብር መልእኽቲ እዩ ነይሩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ኽፍኣቶም ነጊሩ፣ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ካልእ ምልክት [ተኣምር] ከም ዘይወሃቦም ነጊሩዎም ከም ዝነበረን እዚ ድማ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ከም ዝተዛረቦን እውን ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዝፀሓፎ ወንጌል ይሕብር።

በዞም ልዕል ኢሎም ዝተቐመጡ ሓሳባት ምኽንያት እዛ ዕለት እዚኣ [ሰሉስ] መዓልቲ ሕቶ ተብሂላ ትፅዋዕ።

ኣብቲ ቤተ መቕደስ ከምቲ ካልእ ጊዜ ዝገብሮ ይምህር ስለ ዝነበረ፥ እቲ ህዝቢ ድማ ተመሲጡ የዳምፆ ስለ ዝነበረ፥ እዛ ዕለት እዚኣ “መዓልቲ ትምህርቲ” ተብሂላ ከም ትፅዋዕ እውን መምህራን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን የረድኡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.