Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ተስፋ ዝግበረላ ሃገር ኮይና ኣላ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይግመትን ኣፀጋሚን ኣብ ዝኾነ ኢኮኖሚ ዓለም ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ይኹን ኣብቲ ዞባ ተስፋ ዝግበረላ ሃገር እናኾነት ምምፃኣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ወርሒ መንግስቲ ብዝምልከት ኣብ ሽዱሽተ ዋና ዋና ርእሰ ጉዳያት ብሚኒስቴር ምክልኻል ገለፃ ገይረን፡፡

ኣብ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ መዓድን፤ ኣገልግሎትናን ዲጅታል ኢኮኖሚ ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፥ ከም ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝበሉ ሓይሊ ፀፅታ ኣሰር ዘዕረፈሎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣፈፃፅመኦም ኣብ ልዑል ብርኪ ከምዝርከቡ ኣልዒለን።

ዝማዕበላ ሃገራት ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ናይ ንግዲ ታክስ ብምንባር ዝፈጥረኦ ልዑል ፅዕንቶ ብምፅዋር ከም ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ዝበሉ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ንህዝቢ ኣብ ምክፍፋል ዘዕግብ ውፅኢት ተመዝጊቡ እውን ኢለን።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን፤ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ብምክልኻል ሰላም ሃገርን ህዝቢን ካብ ምሕላው ሓሊፉ ንኢኮኖሚ ሃገር መሰረት ዝኾኑ ተግባራት ልምዓት ከምዝወገነ ምግላፀን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.