ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ኣብ ምዕዋት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ይወሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ብዓወት ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ይካየድ ኣሎ፡፡
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ትማሊ ብዕሊ ምምራቖም ይፍለጥ፡፡