Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሕርሻ ብምዝማን ፍርያትን ምህርቲን ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሕርሻ ብምዝማን ፍርያትን ምህርቲን ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት እናተካየዱ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ሳልሳይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ክልል ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪንኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ(ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ተረኺቦም።

ብምክትል ፕሬዚዳንት ማዕርግ መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ገፀር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ÷ ኣብቲ ሕርሻ ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ብምውፃእ ፍርያትን ምህርቲን ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ፡፡

እዚ ከይዲ ንምስላጥ ዝተጣየሸ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ዝሕግዙ ምምኻር፣ ምትሕብባርን ፀገማት ብምፋላይን ኢሉ እውን መፍትሒን ኣንፈትን ናይ ምቕማጥ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እዚ ከይዲ ንምስላጥ ዝተጣየሸ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ዝሕግዙ ምምኻር፣ ምትሕብባርን ፀገማት ብምፋላይን ኢሉ እውን መፍትሒን ኣንፈትን ናይ ምቕማጥ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.