Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወደብ ኢራን ብዘጋጠመ ከልዑል ምፍንጃር ቁፅሪ መወትቲ 25 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወደብ ኢራን ብዘጋጠመ ከልዑል ምፍንጃር ቁፅሪ መወትቲ 25 እንትበፅሕ 800 ሰባት ከምዝተጎድኡ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ትማሊ ንጉሆ ኣብ ደቡባዊ ባንዳር ጥቓ ከተማ ኣባስ ኣብ ዝርከብ ወደብ ንግዲ ሻሂድ ራጃኢ ዘጋጠመ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ህንፃታትን መኻይንን ጉድኣት ዝበፅሖም እንትኾኑ፤ ሽዱሽተ ሰባት ናብ ዝበፅሑዎ ከምዘይተፈለጠ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ኢራን ማሱድ ፔዜሽኪያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ብምግላፅ፤ ንስድራ ግዳያት ፀንዓት ተመኒዮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.