ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብታ ከተማ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ፀፅታ ገምጊመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ዝተወገኑ ስራሕቲ ፀፅታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ገምጊመን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ንዕቤትን ለውጢን እታ ከተማ ዝምጥኑ ስራሕቲ ፀፅታ ስለዝተሰርሑ ሰላማዊ፣ ዝተረጋገአን ንናብራ ምቹዋት ውፅኢታት ተመዝጊቦም፡፡
ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምጥንኻር ስግኣት ፀፅታ ክኾኑ ዝኽእሉ ምንቅስቓሳት ኣቐዲምካ ብምፍላይ፣ ህዝቢ ብቀጥታ ብምስታፍን ገበን ኣብ ምክልኻል ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ተዛሪበን፡፡