Fana: At a Speed of Life!

ከተማታት እንትምዕብላ ናብራ ህዝቢ ሓቢሩ ይመሓየሽ ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) “ንዑ ንጎንደር ንሃፅና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣፈ  ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣረጋ ከበደን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከተማታት እንትምዕብላ ናብራ ህዝቢ ሓቢሩ ይመሓየሽ፣ ኣተሓሳስባ ይሰፍሕ፣ ምዕባለ ይነግስ፣ ዝበለፀ ዕብየት ንክህሉ ከም መንጠሪ ይኸውን ኢሎም።

ከተማታት ኢትዮጵያ ሕርየአን ክልተ ኢዩ ብምባል፥ ፈላማይ ብፍልጠትን ሃፍትን ምዕባይ፣ ምስ ጉዕዞ ስልጣነ ዓለም ምስላፍ፤ ካልኣይ ድማ ምስ ድርዕቶአን ንዘለኣለም ብዝኣረገ ያታ ሰጢመን ምንባር ኢዩ ኢሎም።

ሕርያ ከተማታትና ምምዕባል ከምዝኾነ ድማ ይስርሑ ብዘለዉ ስራሕቲ ኣመስኪርና ኢና፤ ሕርያ ጎንደር እውን እዚ ኢዩ ኢሎም።

እቲ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ንክዕወት ንዝገበሩ ኩሎም አመስጊኖም።

በቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ምእካብ ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ ክሳብ 30 ግንቦት 2017 ዓ.ም ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.