Fana: At a Speed of Life!

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያን ብራዚልን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያን ብራዚልን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኔሮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ብሪክስ እናተሳተፉ ዝርከቡ እቶም ሚኒስትር፤ ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ክልተኣዊ ልዝባት ገይሮም፡፡

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ ኩለመዳይ ዓለም ለኸ ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ከምዝተጠናኸረ ብምሕዝኽኻ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሰርጌ ላቭሮቭ ብግደኦም፤ ሩሲያ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ዓውዲታት ምትሕብባርን ጭቡጥ ምትሕብባር ብምግባር እቲ ታሪኻዊ ርክብ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ብተመሳሳሊ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብራዚል ማውሮ ቪየራ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፤ እተን ሃገራት ኣብ ውሕስና ምግቢ፣ መፍረያይነት ሕርሻ፣ ኣብ መመሓየሺ ዓለም ለሐ ምሕደራ ትካላት፣ ስግግር ሓይሊን ካልኦት ዓውዲታትን ብዘለወን ምትሕብባር ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ብራዚል ፕሬዝዳንት ብሪክስ እዚ እዋን ዝጀመረቶ ስራሕ ብምንኣድ፥ ኢትዮጵያ ብራዚል ንዘቐመጠቶም ኣንፈታት ትኹረት ብሪክስ ድጋፍ ከምትገብር ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትራት ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.