ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኮምቦልቻ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኮምቦልቻ ኣቲዮም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ÷ ማእኸል ኢንዱስትሪ ሃገርና ናብ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ ኣቲና” ኢሎም።
ኣብ ፃንሒቶም ድማ ኣብቲ ከባቢ እናተወገኑ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝዕዘቡ ኣመልኪቶም፡፡
ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዝገበሩሎም ላዕለዎት ኣራርሓ ክልል ኣምሓራ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ዞባ ደቡብ ወሎን እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስጋና ኣቕሪቦም።