ኢትዮጵያ ብዙሓት ልምዲታት ዝረኸበትሉ ጉባኤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ትምህርቲ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ 2025 ኢትዮጵያ ብዙሓት ልምዲታት ዝረኸበትሉ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡
ንኣብነት እውን ኣብ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ቋንቋ መፍትሒ ኣፍን ንትምህርቲ ዝሕግዙ ትሕዝቶታትን ብኸመይ ምስንዳእ ከምዝግባእ ልምዲ ካብ ዘለዎም ኩባንያታት ተሞክሮ ምውሳድ ከምዝተኽኣለ ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ኣይ ሲ ቲን ዲጅታል ትምህርቲን ዘላለም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
“ኮምፒውተር ሳይንስ ኣብ ሃገርና ዝወሃብ ካብ 7ይ ክፍሊ ጀሚሪ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን ካብ 1ይ ክፍሊ ጀሚሩ ከምዝወሃብን እዚ ድማ ተምሃሮ ዕዉታት ክኾኑ ከምዝገበረን ተዛሪቦም፡፡
እዚ ልምዲ ብምቕሳም ናብ ኢትዮጵያ ንምምፃእ ፃዕሪ ከምዝግበር ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም፡፡
ብትእግስት ኣብረሃም