ሓበራዊ ሃገራዊ ያታ ንምህናፅ ዝስራሕ ስራሕ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነፀላ ያታታት ብምምካት ሓበራዊ ሃገራዊ ያታ ንምህናፅ ዝስራሕ ስራሕ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ኣመራርሓን ሞያተኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ዓውዲ ርክብ ሀዝብን ዘሳተፈ መድረኽ ዘተ ኣሰናዲኡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ሃይሉ ኣዱኛ፥ ኣብ ፎረም ርክብ ህዝብን መራኸብቲ ሓፋሽን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ግንዛበ ብምፍጣር ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ መበገሲ ጎንፂ ዝኾኑ ነፀላ ያታታት ብምምካት ሓበራዊ ሃገራዊ ያታ ኣብ ምህናፅ፣ ዓወት ብምፅናዕን ናይ ህዝቢ ሓቂ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእን ዝስራሕ ስራሕ ውፅኢት የመዝግብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣመራርሓን ሞያተኛታትን መራኸብቲ ሓፋሽን ርክብ ህዝብን በዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምዃን ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment