ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ነፃ ምግፋፍ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ከምዝህብ ኣፍሊጡ።
እቲ ሕክምና ካብ 2 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝወሃብ ተገሊፁ።
ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ፥ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዓለምለኻዊ ፕሮጀክት ሂማልያ ካትራክት ብመሰረት ዝገበሮ ምትሕብባር ኢዩ እቲ ሕክምና ክወሃብ ኢሎም።
ነቶም ፀገም ሞራ ዓይኒ ዘለዎም ወገናት ነፃ ሕክምና ከምዝህብ ብምሕባር፥ ካብ 2 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ናብቲ ሆስፒታል ብምምፃእ ክረኣዩን ሕክምና ክረኽቡን ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።
ተሓከምቲ ወፃኢታት መጎዓዝያን ምግብን በቲ ትካል ከምዝሽፈነሎም እውን ገሊፆም።