ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 33 ዙር ሰልጠንቲ ምክልኻል ኣድማ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ይምረቑ ኣለው።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርቓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን እንግዶት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡
ታሪክ እቲ ትካል ብምግንዛብ ንተግባራዊነቱ ዝተግህን ውፅኢት ዘምፅእን ሓይሊ ኾይኑ ንኽርከብ ዘኽኣለ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ኣብቲ ስነ ስርዓት ተገሊፁ።
እቶም ሰልጠንቲ ብፅሩይ ኣረኣእያ፣ ስነ-ምግባርን ሞያዊ ክእለትን ንህዝቢ ከገልግሉ ከምዘለዎም እውን ተሓቢሩ፡፡
ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብምሕላው ህዝባውነቶም ብተግባር ብምርግጋፅ ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ስግኣት ገበን ናፃ ንምግባር ልዑል ግደ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡
ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ስጉምቲ ብምውሳድ ሰላም ምርግጋፅ ከምዘለዎም ዝተገለፀ እንትኾን፣ ንክብሪ ሃገር፣ ንህልውና ወገኖም ክብሉ ክሳብ መስዋእቲ ህይወት ንምኽፋል ብምሕሳብ ናብ ትካል ፖሊስ ብምፅንባሮም ክብሪ ከምዝግበኦም ምግላፁ ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡