ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ፍትሒ ዝህቦም ኣገልግሎታት ብዲጂታል መለለዪ መንነት ጥራሕ ንክኾኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ጥራሕ ምግባር ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት ይስርሑ ከምዘለዉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ በላይሁን ይርጋ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ዓመት ንሓለዋ መለለዪ ማንነት ምሃብን ምሕዳስን ኣገልግሎት ብዲጂታል መለለዪ ማንነት ንምግባር ምድላው ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ሰነዶም ሙሉእ ንሙሉእ ዲጂታላይዝ ናይ ምግባር ስራሕ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።
ብመሳፍንት እያዩ