ስራሕቲ ምዛር መስመር ኤሌክትሪክ ልምዓት ኮሪደር ሃረር ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ሃረር ፈላማይ ዙር ልምዓት ኮሪደር ማእኸላይን ትሑትን መመሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ ስራሕ ምዛርን ምምሕያሽን ምዝዛሙ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግልጋሎት ብሓፈሻ 1 ሺሕን 107 ዓንዲ ዕንፀይቲን ኮንክሪትን፣ 40 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን መስመር ኤሌክትሪክ ከምኡውን 12 ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ትራንስፎርመራት ስራሕ ምዛር ምውጋኑ ሓቢሩ፡፡

እቲ ስራሕ ምዛር መስመር ኣብ ከተማ ሃረር ካብ ራብዓይ ክሳብ ስታዲየም፣ ካብ ኣጅፕ ክሳብ ሰላም ኣደባባይ፣ ካብ ሃረር ቢራ ክሳብ ገስታውስ፣ ካብ ራብዓይ ክሳብ ቀይሕ መስቀል ከምኡውን ካብ ኢማም ኣሕመድ ስታዲየም ክሳብ ገስታውስ ዝሽፍን ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቐፃሊ ካልኣይ ዙር ዝኻየድ ልምዓት ኮሪደር 1 ነጥቢ 66 ማእኸላይን 2 ነጥቢ 45 ኪሎ ሜትር ትሑትን ስራሕ ምዝዋር መስመር ከምዝኻየድ ኣብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment