ስፓርት
ሃገራዊት ጋንታ ጣሊያን ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ጣሊያን ንእንግሊዝ ብምስዓር ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውሮፓ ኮይና።
ትማሊ ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍፃመ ፀወታ፥ ሃገራዊት ጣሊያን ብፍፁም ቅላዕ ኢያ ሻምፒዮና ኮይና ዘላ።
ኣብ ከተማ ለንደን ስታዲየም ዌምብለይ ኣብ ሞንጎ ሃገራዊያን ጋንታታት እንግሊዝን ጣሊያንን ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፥ ኣብ ስሩዕ ፀወታ ክሰዓዓራ ስለዘይከኣላ ብፍፅሙ ቅላዕ ጣሊያን 3 ን 2 ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ።
ኣብቲ ስሩዕ ፀወታ 1 ን 1 ማዕረ ኢየን ፀወተአን ዛዚመን።
እዋናዊ ሓበሬታ…
Read More...
ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ እንግሊዝን ጣሊያንን ናብ ፍፃመ ፀወታ በፂሐን
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምሌ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንዴንማርክ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ፀወታ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ።
እቲ ፀወታ ኣብ ስሩዕ ሰዓት ሓደ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ እንግሊዝ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሓንቲ ሽቶ ብመውሳኽ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ናብ ፍፃመ ፀወታ ምሕላፋ ኣረጋጊፃ…
ስራሕቲ ሕድሳት ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ሕድሳት ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
እቲ ሕድሳት ንምግባር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ውዕል ዝተኣሰረ እነትከውነ፥ ብመሰረት እቲ ውዕል ኢዩ ሕድሳት ተጀሚሩ ተባሂሉ።
ካፍ ብመሰረት ዝሃቦም ርእይቶታት ከምዝሕደስ ድማ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ መፃወቲ ሜዳ፣ መኽደንን መሕፀብን ክፍሊታት፣ ናይ ተዓዛቢ ቤተ ፈተነን…
ጋንታታት ፕሪሜርሊግ ልዕሊ 3 ናይ ወፃኢ ተፃወትቲ ከፈርማ ኣይኽእላን – ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝውውር ናይ ወፃኢ ሃገራት ኣመልኪቱ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዘበነ ውድድር 2014 ዓ.ም ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ጋንታታት ልዕሊ 3 ናይ ወፃኢ ተፃወትቲ ከፈርማ ከምዘይኽእላ ወሲኑ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝነበረ መምርሒ ዝውውር ተፃወትቲ መሰረት ብምግባር ሓንቲ ጋንታ…
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንስ ሊግ ዮሚፍ ቀጀልቻ ዓወት ቀኒዑዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ኖርዌይ ኦስሎ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንስ ሊግ ዮሚፍ ቀጀልቻ ዓወት ቀኒዑዎ።
ዮሚፍ ብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ዝተዓወተ እንትኸውን፥ እቲ ርሕቐት 7 ደቒቕ 26 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድን ከምዝዛዘመ ካብ ኣትሌቲክስ ዩናይትድ ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ብ5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ፥…
ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ንምስታፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጃፓን ዝካየድ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ንምስታፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
እቲ ምድላው ኣመልኪቱ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዶክተር አሸብር ወ/ጊዮርጊስን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር አትሌት ደራርቱ ቱሉን ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።
ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020…
ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ብክልተ ሰሙን ተናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ፅዋዕ ሃገራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ) ብክልተ ሰሙን ከምዝተናውሐ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድድር 10 ሓምለ 2013 ዓ.ም ከምዝጅመር ምግላፁ ሶከር ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
እቲ ውሳነ ናይ ሴካፋ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ፌዴሬሽን፥ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ…