ስፓርት

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ዝገበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትሰፐርስ ዝግበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። ኣብዚ ውድድር ዓመት ድኹም ምንቅስቓስ እናርአያ ዝርከባ ክልቲአን ጋናታታት ሎሚ ምሸት 1:30 ክራኸባ ኢየን፡፡ ኣብ ደረጃ ሰንጠረዥ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መበል 14 ን መበል 15 ደረጃ ዝርከባ እተን ጋንታታት 3 ነጥቢ ሒዘን ንምውፃእ ክናሓነሓ ኢየን። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝግበር ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ መሪሕ እቲ ሊግ ሊቨርፑል ንወልቭስ ሰዓት 11:00…
Read More...

ሎሚ ሸውዓተ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ አንግሊዝ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 25 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሸውዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ፥ ኣርሰናል ካብ ሜድኡ ወፃእ ምስ ሌስተር ሲቲ ክጋጠም ኢዩ። ማንቸስተር ሲቲ ድማ ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ሰዓት 12:00 ፀወትኡ ክገበር ኢዩ። ኣስቶን ቪላ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣…

ዕጥቅታት ስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራዮም ንዕብየት እቲ ዓውዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ- ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕጥቅታት ስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራዮም ንዕብየት እቲ ዓውዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘሎ ኦሜጋ ጋርመንት ኢንተርፕራይዝ ዕጥቅታት ስፖርት መፍረዪ ርእየን። ኣበ 2010 ዓ.ም ናብ ስራሕ ዝኣየተወ እቲ ኢንተርፕራይዝ፥ ምዕቡላት ማሽናት…

ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ካካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ዙር ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም፡፡ ብመሰረት ምሸት 2፡45 ጋንታ ቤልጂዬም ክለብ ብሩጅ ምስ ጣልያናዊት ኣታላንታ ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሸት ሰዓት 5 ድማ ስኮትላንዳዊት ጋንታ ሴልቲክ ምስ ባየርንሙኒክ፣ ሆላንዳዊት ፌይኑርድ ምስ ኤሲሚላን ከምኡ…

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት እንካየዱ ማንቼስተር ሲቲ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ንሕንሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ውድድር ቅድም ኢሉ ምሸት ሰዓት 2፡45 ጋንታታት ፈረንሳይ ብረስትን ፒኤስጂን ክራኸባ ኢየን፡፡ ማንቼስተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት…

ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ዱባይ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ያለምዘርፍ የኋላው ተዓዊታ። ኣትሌት ያለምዘርፍ 1 ስዓት 7ደቒቕን 09 ሴኮንድን ብምእታው ኢያ እቲ ውድድር ቀዳመይቲ ክክትከውን ከምዝኸኣለት ሓበሬታ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የመላኽት።

ኣዳማ ከተማን ሲዳማ ቡናን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መበል 19 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣዳማ ከተማን ሲዳማ ቡናን ባዶ ማዕረ ተፈላሊየን። ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን። ብኻሊእ መዳይ ኣብ መወዳእታ…