ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ኣንጄላ ሬይነር ጋር ኣብ ክልቲኣዊ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣካይዶም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ ሎሚ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ኣንጄላ ሬይነር ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ክልቲኣዊን ኩለ መዳይን ዛዕባታት ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኢትዮጵያን እንግሊዝን ነዊሕ ታሪከን ዓምዩቕ ርክብን ከምዘለወን ገሊፆም።
ናይተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዑደት እውን ነቲ ርክብ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ሓቢሮም።
ንቕድሚት እንትንርእይ፣ ርክብና ልዕሊ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ብምስፋሕ ልዑል ምትሕብባር ንግዲን ኢኮኖሚን ይውስኽ ኢሎም።