ብህይወቱ እንከሎ ናይ ሕልና ፀሎት ዝተገብረሉ ተፃወታይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ እትፃወት ቡልጋርያዊት ጋንታ ንሓደ ተፃዋታያ ነበር ካብዛ ዓለት ብሞት ተፋንዩ ብምባል ንሓደ ደቒቕ ዝቐፀለ ናይ ሕልና ፀሎት ኣካይዳ።

እንተዀነ ድሒሩ ብዝወፀአ ሓድሽ ሓበሬታ፥ እቲ ተፃወታይ ገና ብህይወቱ ከም ዘሎ ድሕሪ ምፍላጣ እታ ጋንታ ይቕረታ ሓቲታ።

እታ ኣርዳ ካርድሃሊ ዝተባህለት ቡልጋርያዊት ጋንታ ምስ ሌቭስኪ ፎፍያ ብሰንበት ናይ ሊግ ፀወታ ነይሩወን። ክልተአን ጋንታታት ድማ ኣብ ማእከል ሜዳ ተሰሪዐን ንኽብሪ ቻንቸቭ ንሓደ ደቒቕ ዝኸውን ርእሰን ኣድኒነን።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ፀወታ ገና ከይተዛዘመ እንከሎ እታ ጋንታ ኣብ ፌስቡክ ገፃ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝተዋህባ ገሊፃ።

ኣካየድቲ ጋንታ ኣርዳ፥ ንተፃዋታይ ኣርዳ ነበር ፔትኮ ጋንቸቭን ኣዝማዱን፡ እታ ክለብ ብዛዕባ ሞቱ ጌጋ ሓበሬታ ብምቕባላ፡ “እምብዛ ይቕረታ ክሓትት እደሊ፡” ኢላ።

“ፔትኮ ጋንቸቭ ተወሳኺ ብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ ጥዕናን ዓወታት ኣርዳ ከስተማቕርን ንምነየሉ፡” ክትብል ምግላፃ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment