ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቱርክ ፃዕሪ ሰላም ሩሲያን ዩክሬንን ንኽትሕግዝ ብኣሜሪካ ፃውዒት ቀሪቡላ፡፡
ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን ምስ ኣሜሪካ መዘነኦም ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡
ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብ ዝነበሮም ዘተ ሩሲያን ዩክሬንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባር ናብ ሰላም ኣብ ዝመፅኡሉ ኩነታ ብሰፊሑ ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብቲ እዋን÷ ኣንካራ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዛ ምስ ሩሲያን ዩክሬን ከምኡ እውን ምስ ኣባል ሃገራት ኔቶ ጥንኩር ርክብ ንግዲ ከምዝነበራ ኣዘኻኺሮም፡፡
ቱርኪ ኣብ 2022 ክልቲአን ሃገራት ንምሽምጋል ዝተኻየደ ኣኼባ ምትእንጋድ ሓዊሱ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብራ ፃዕሪ እናገበረት ከምዝነበረት ብምዝኽኻር፤ ሕዚ እውን እተን ሃገራት ናብ ሰላም ንኽመፅኣ ዝግበር ፃዕሪ ንኽትሕግዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡