ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ትካላዊ ሪፎርም ሕብረት ኣፍሪካ መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ከምዝኾነ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት ገሊፆም።
መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ኣቦ መንበር ኣብቲ ኣኼባ÷ ኣብ ኣቦ መንበርነት ሕብረት ኣፍሪካ ዘበኖም ብኢኮኖሚ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ማሕበራዊን ሓድነት ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ተግባራት ከምዝሰርሑ ገሊፆም።
ኣህጉራዊ ትካላዊ ሪፎርም ሓዊሱ ኣብ ሓላፍነት ዘበኖም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፎርም ጭቡጥ ለውጢ ከምዘመዝገቡ እውን ኣብሪሆም።
“ትካላዊ ሪፎርም እቲ ሕብረት መሰረታዊ ለውጢ ብዘምፅእ መልክዑ እናተወገነ ይርከብ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣህጉራዊ ሰላምን ፀፅታን ሕዚ እውን ትኹረት ዝጠልብ ጉዳይ ከምዝኾነ እቶም ኣቦ መንበር ተዛሪቦም፡፡