ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ህንዲን ኣብ ወታደራዊ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ባንጋሎር ተፈራሪመን፡፡
ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ምክልኻ፣ ኢንዱስትሪታት ምክልኻል፣ ድሕንነት ሳይበርን ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዘድሀበ ስምምዕነት እንትኸውን÷ እዚ ድማ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፤ ብወገን ህንዲ ድማ ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሀገር ራጃንታ ሲንግ ፈሪሞምዎ፡፡