ኣርሜኒያ ስራሕቲ ብዲጂታል ስርዓት ንምምዕባል ንዝግበር ፃዕሪ ከምእትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርሜኒያ ብሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዲጂታል ስርዓት ንምምዕባል ንዝግበር ፃዕሪ ከምእትድግፍ ገሊፃ።

ሚኒስትር ደቂ ኣኒስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ምስ ኣምባሳደር ኣርሜኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ሳክ ሳርጊሲያን ዘቲየን።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ ሕውነት ከልቲአን ሃገራት ዘበናት ዝተሻገረ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ሰፊሕ ናይ ታሪክ፣ ሃይማኖትን ባህላዊ ተውፊትን ሰብ ዋና ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ጠንካራ ርክብ ዘለወብ ከምዝኾና እውን ኣዘኻኺረን።

ኣብ ማዕርነት ስርዓተ ፆታ፣ ማሕበራዊ ሓለዋ፣ ወለንታዊ ኣገልግሎት፣ መክልኻል ጥቕዓት ወዘተ ዘለዉ ተመክሮታት ምልውዋጥ ኣብ ዘኽእሉ ነጥብታት ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕማዕ ከምዝተገበረ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

አምባሳደር ሳክ ሳርጊሲያን ብግደኦም፥ ሃገሮም ብፍላይ ኣብ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ዘለዋ ሰፊሕ ዓቕሚን ልምዲን ንምክፋል ከምእትደሊ ተዛሪቦም።

 

Comments (0)
Add Comment