ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሆስፒታል ጳውሎስ ዘሎ ሕፅረት መድሓኒት ካንሰር ግቡእ ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዘፀገመ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሕፅረት መድሓኒት ካንሰር ከምዘሎ ዝገለፁ ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ተሓከምቲ፥ ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ሕፅረት ንልዑል ኢኮኖሚያዊ ፀገም የቃልዖም ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እቲ መድሓኒት ልዑል ወፃኢ ዝሓትትን ኢኮኖሚ ዝፍትንን ብምዃኑ መንግስቲ ኣድላዪ ደገፍ ንክገብር ሓቲቶም።
ሓላፊ ሕሙማን ካንሰር ኮሌጅ ሕክምና ሚሌኒየም ስፔሻሊስት ሕክምና ካንሰርን ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ዶክተር መሃመድ ኢብራሂም፥ እቲ ሆስፒታል ልዕሊ 4 ሺሕ ንዝኾኑ ተሓከምቲ ሕክመና ካንሰር ከምዝህብ ተዛሪቦም።
ኬሞቴራፒ ሓዊሱ ካልኦት መድሓኒታት ሕክምናታት ካንሰር ኣብቲ ሆስፒታል ይወሃብ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ሕፅረት እቲ መድሓኒት ብምግጣሙ ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሮም።
እዚ ሕፅረት መድሓኒት ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝፀንሕ ኣብሪሆም።
ዶክተር መሃመድ፥ ኣብዚ ዓመት እቲ ሆስፒታል ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ኣገልግሎት ቀረብ መድሓኒት ኢትዮጵያን ሰለስቲኣዊ ስምምዕነት ምኽታሙ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ሆስፒታል መድሓኒት እንትሓተት እውን 50 ሚኢታዊ ከምዝኸፍል ብምግላፅ፥ ፍርቁ ድማ መንግስቲ ከምዝሽፍን ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ እቲ ሆስፒታል ዘለዎ ሕፅረት መድሓኒት ካንሰር ንምቕራፍ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብግዛቸው ግርማዬን መሰረት ኣወቀን