ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቂ ኣንስትዮ ብልቓሕን ዕቋርን ብምዉዳብ ተረባሕቲ ኢኮኖሚ ንክኾና ሰፊሕ ስራሕ የስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን፡፡
እተን ሚኒስትር ብብርኪ ዓለም ንመበል 114 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 49 ግዘ ዝኽበር ዘሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂበን፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ፥ “ስሉጥን ቀፃሊነት ዘለዎን ንኹሉ ዝሓቁፍን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ይረጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝኽበር፡፡
ካብ 1 ለካቲት 2017 ጀሚሩ ስራሕቲ ቕድመ ምድላዋት ምስርሑ ብምግላፅ፥ ደቂ ኣንስትዮ ብልቓሕን ዕቋርን ብምድላዉ ተረባሕቲ ኢኮኖሚ ንክኾና ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ደቂ ኣንስትዮ 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ክዓቑራ ተተሊሙ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ እቲ ጎስጓስ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ግልጋሎት ልቓሕ ከምዝግበር ገሊፀን።
ብተወሳኺ 45 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድጊት ቦንዲ ግድብ ህዳሰ ክሳተፋ ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣብሪሀን።
ብተካልኝ ሃይሉ