ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መራሕቲ ሃገራት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ንኽረኽቡ ዘርኣዩዎ ቆራፅነት ንኻልኦት ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ክብ ሚኒስቴር ገዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡
ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካን ሕብረሰብ ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪካን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝጠመተ ሓበራዊ ኣኼባ መራሕቲ ኣብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ተኻይዱ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ውሳነታትን ብፅቡቐ ጎኑ ከምትሪኦም ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ ሃሰን (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንትኬንያን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪካን ዊሊያም ሩቶ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ዚምባቡዌን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ደቡባዊ ልምዓት ኣፍሪካን ኤመርሰን ምናንጋግዋ እቲ ኣኼባ ብዓወት ንኽዛዘም ንዘርአዩዎ ኣመራርሓ ንኢዳ።
ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ናይ ምስንዳእ መንፈስ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል ዘርአዩዎ ምትሕብባርን ቆራፅነትን ንካልኦት ኣብነት ዝኸውን ተግባር ኢዩ ኢሉ እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ፡፡